ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት
ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት
Geez Liturgy. ሉጥርግያ ግእዝ.
Kursi Bun (Snack of a coffee ceremony) is a reflective reading weekly podcast program created based on the Geez liturgy platform. We present short articles on a specific topic and share our reflections to promote broader perspective by discovering the ancestral wisdom in the form of digestible and palatable topics drawn from culture, customs, articles, proverbs and sayings in the same way we indulge in our beloved coffee ceremony's snack. The process of our program follows these steps- 1. Direct Translation 2. Exploration 3. Reflection 4. Question 5. Influence
52 - ሰላም | Peace |
መዛዘሚ መደብ ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት "ሰላም" ዝብል ኣርእስቲ ክኸዉን መሪጽናዮ ኣለና። ብሰብኣዉነትን ርሕራሐን ዝፈለመ ትሕዝቶና ን ፍቕርን ሰላምን ዝጉስጉስን ዝጸሉን ክኸዉን ተስፋ ንገብር!! ትሕዝቶ "ሰላም" ዝብል ጽሑፍ ኣብ ቀረባ መዓልቲ ከነቕርቦ ኢና።  ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
Jul 3, 2021
51 - ራኢ | Vision |
 ራኢ'ለኒ ሕልሚ፡ ሕልሚ ናይ ትማሊሂወተይ ክቕይር፡ ናብ ዝሓሸ ትልሚ ትምኒተይ ከስምር፡ ናብራይ ክቅይራ መፍትሕ ናይ መጻኢ፡ ሽግር ከባርራ መዘና ኣልቦ፡ መለክዒ ብልሒ ተስፋ ናይ ጽባሕ፡ ዝደምቕ ከም ወርሒ ኣሎ'ዲዩ መስፈሪ፡ ንራኢ ዝዕይር እንታይ ከም ዘሎ፡ ቅድመይ መሊኡ ዝነግር ዓቢ'ዩ ማዕበሉ፡ ናይ ራኢና ጉዕዞ ኣትሪርና ንሓዞ፡ ናይ ሂወትና ስቴርሶ ናይ ዉሽጠይ ባህጊ፡ እቲ ዓቢ ነገር ሕልናይ ዘዕርፍ፡ ናይ ቀጻሊ ምንባር ንዉሽጠይ ዝገልጽ፡ ዓይነይ ዝመልኣለይ ክቕጽል'የ ጉዕዞይ፡ ክሳብ ዝበርሃለይ ዓወት ተወልደ ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
Jun 26, 2021
50 - መራኸቢ ብዙሃን | Social Media |
 ትሕዝቶ "መራኸቢ ብዙሃን" ዝብል ጽሑፍ ኣብ ቀረባ መዓልቲ ከነቕርቦ ኢና።   ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
Jun 19, 2021
49 - ለውጢ | Change |
ትሕዝቶ "ለውጢ" ዝብል ጽሑፍ ኣብ ቀረባ መዓልቲ ከነቕርቦ ኢና።   ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
Jun 12, 2021
48 - ምርጫ | Choice |
 ትሕዝቶ "ምርጫ" ዝብል ጽሑፍ ኣብ ቀረባ መዓልቲ ከነቕርቦ ኢና።   ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
Jun 5, 2021
47 - ምንባር | Meaning |
 ትሕዝቶ "ምንባር" ዝብል ጽሑፍ ኣብ ቀረባ መዓልቲ ከነቕርቦ ኢና።  ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
May 29, 2021
46 - ባህሊ | Culture |
ትሕዝቶ "ባህሊ" ዝብል ጽሑፍ ኣብ ቀረባ መዓልቲ ከነቕርቦ ኢና።   ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
May 22, 2021
45 - ስደት | Migration |
ትሕዝቶ "ስደት" ዝብል ጽሑፍ ኣብ ቀረባ መዓልቲ ከነቕርቦ ኢና።  ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
May 15, 2021
44 - ግደ | Duty |
ግደ ዝብል ቃል ከም ኣምር ህዝባዊ ዕዩ ንክንርድኦ ብመጀመርታ ግደይ ዝብል ስም : ኣብ ኣጻዋውዓ ስም ህዝብና ንወዲን ጓልን  ንክልቲኡ ጾታታት እንጥቀመሉ ሰም ሙኻኑ ከነነጻር ንፈቱ። ብምቕጻል ብካልእ ሸነኹ ግደ ዝብል ቃል መሰረተ ቃላት ግዴታ ፡ ምስግዳድ : ግዳይ ዝብሉ ቃላት ሙኻኑ ከነስተብህል ይከኣል።ግደ እንክንብል ብመስርሕ ውሽጣዊ ድልየት ምስ ዝምእዘን ፡ ባዕላዊነትና ምዝኽበር ፡ ናብ ግደይ ፡ ናተይ ግደ : ናተይ ተራ ፡ ናተይ ግዜ  ፡ ናተይ ዘበን  ዝዓይነቱ ትርጉምን ጦብላሕታን ይህብ። ግደ ብመስርሕ ግዳማዊ ጸቅጢ ጥራይ ምዝቅላስ ፡ ድለየትን ፡ ሕራይን ፡ ባዕላዊነት ሰብ ጎዲልዋ ምስ ዝከናወን ናብ ግዴታን ምስ ግደድን ዝብል ኣረዳድኣን ክውንነትን ይጸሪ፡፡ ድልየትን ባህግን ውሽጣዊ ሰብነት ፡ ባዕላውነት ብሕታዊ ሰብ ኮነ ህዝቢ ምስ ዝቦክር  ፡ ብኣንጻሩ ብድፊኢት ግዳማዊ ሓይሊ ጥራይ ተመርኵስካ ዝብጻሕ ውሳኔታት ፡ ፍጻሜታት ውጽኢቱ ግዳይነት ብሕታዊነት ሰብን ህዝቢን ይፈጥር፡፡ ግደይ : ግዴና እክንክንብል ኣሜን ፡ ሕራይ እቲ ብሕታዊ ሰብ ፡ ከምኡውን እቶም ዝሓበሩ ብሕታውያን ሰባት እሞ ሕብረተሰብ ዘቆሙ ይሓትት። ግደ ብሕታዊ ሰብ ኮነ ህዝቢ ብክልተ ወገንገን ክገሃስ ን ክድምሰስን  ይከኣል : ንሳቶም ከኣ፡ እቲ ቀዳማይ ወገን ንምግሃስ ግደ ፡  እቲ ብሕታዊ ሰብ ኮነ ህዝቢ ፡ ብወለትኡ ግዙእ እቲ ኣሎኒ ዝብሎ ነጻነት ምስ ዝኸውን እቲ ብሕታዊ ኣብ ክንዲ ምብሓት ካብ ሕብረተሰብ  ኣብ ምውላቅ ምዝስልጥን ወልቃዊ ሰብ ይኸውን። ከምእዉን ህዝቢ ካብ ምሕባር ፡ ሕብረት ምግባር  ምስዝሕንግድ ወጺኡቱ እቲ ውልቃዊ ዝኾነ  ሰብ መወዳእትኡ ግደ ኣልቦ ፡ ቀይዲ በተኽ ሰብኣዊ ዝምድናታት ኮይኑ ይተርፍ ፡ እቲ ምሕባር ዝሓርበቶ ህዝቢ ከኣ ሕብሪ ኣልቦ ሃሰስ ኮይኑ ይነብር። እውነተይና ነጻነት ንብሕታዊ ሰብ ኮነ ን ህዝቢ ግዙኣት ነጻነት ዘይኮነ  ዝገብሮም ፡ ብኣንጻሩ ካብ ነጻነቶም ነጻ የውጽኦም ፡ እዚ ማለትና  ነጽነት ሓላፍነት ፡ ግደ የስክም እምበር ግደ ኣልቦ ጌሩ ፋሉልነት አየተባብዕን፡፡ እውነተይና ነጻነት ዓበይቲ ፡ ሰበ ግደ ፡ ግደይ : ተራይ ዝብሉ ፡ ብወለንትኦም ካብቲ ንኡስ ዓንኬል ነጻነት ናብቲ ዝዓበየ ዓንኬል ነጻነት ንምስግጋር ዝበቅዑ እዩ ኢልና ንሓስብ። እቲ ካልኣይ ወገን ንምግሃስ ግደ : ብሕታዊ ሰብ ኮነ ፡ ህዝቢ ብዘይካ ዝሃብዎ ፍቃድ ብግዳማዊ ሓይሊ ን ድፍኢትን ጥራይ ምስ ዝግሃስ ፡ ምስዝግዳድ : ናብ ግዴታ ይቕየር፡፡ ውላድ ግዴታ ዝኮነ ግዳይነት ፡ ግዳይ ሙኻን የስዕብ። ብሕታዊ ሰብ ኮነ ህዝቢ ምስ ዝሰግደዱ ፡ ግዳያት ይኾኑ ማለትና እዩ ። ካብ መግዛእቲ ፡ ሃለዋት ፡ ናብራ ግዳይነት ብግዳማዊ ሓይሊ ን ድፍኢትን ዘይኮና  ነጻነትና ንጎናጸፍ : እንታይ ደኣ ግዴና ፡ ግዴኺ ፡ ግዴኻ ብግቡእ ተገንዚብና ን ኣስተብሂልናን ምስ  ግደና ዊስ እንለብሶን ፡ እንነብሮን ጥራይ እዩ። ሓደ ህዝቢ ብሰናይ ድልየት ን ባህግን ግደ ብሕታዊ ሰብ  ምስቋር ፡ ምርዳእ ተሳኢንዎ ፡ ቀጺሉ እውን ሓድሕዳዊ ኪዳን ተሳኢንዎ : እንተ ግዳማዊ ሓይሊታት ገዲደም ፡ ብውልቃውያን ሰባት ዝፈጠርዋ ምትእክካብ ሕብረተሰብ ዘይኮነ ዘቅውም ፡ እንታይ ደኣ ሓፋሽ እዩ ዘቅውም፡፡ ብሕታውያን ሰባት ግዴትኦምን ተረዲኦምን ኣብ ትምሰልቶም ብምስትብሃል መሰሎም ብሙሉእ ክርድእዋን ክነብርዋ ይኽእሉ። ብሕታዊ ሰብ ከምእውን ሕብረተሰብ ፡ ኣነ ንመን ይመስል ፧ ንሕና ንመን ንመሰል ኢሎም ብምሕታት ተራን ግደን እቲ ዝመሰልዎ ትምስልቲ ክላበስዋ እቲ ናይ መጀመርታ ስጉምቲ ንቡርነት ሰብ ሙኻን ፡ ሕብረተሰብ ሙቋም ምኻኑ ክንዝንግዕ ኣይግብኣናን፡፡ መሰልን ግደን፡ ኢድ  ንኢድ ተሳንየን ምስ ዝዓያ ንሓደ ብሕታዊ ሰብ ፡ ህዝቢ ካብ መግዛእቲ ግዳይነት የድሕኖኦም ኢልና ንሓስብ ፡፡ ዓዲ ውዒልነት መሰልን ግደን ንብሕተዊ ሰብ ናብ ውልቃዊ ሰብ እንክቅይር ፡ ኣብ ህዝቢ ምስ እንምልከት ከኣ ውጺኢቱ ጥዕና ዘለዋ ሕብረተሰብ ዘይኮና ክንርኢ ብኣንጻሩ ሕብሩ ዘጥፈኣ ህዝቢ ሓፋሽ ተባሂሉ ከም ዝሰመን ዝጽዋዕን ኢና ንፈልጥ። ግደይ ፡  እታ ኣደይ ፡ ሓፍተይ : ጓለይ ወይውን ግደይ እቲ ኣቦይ : ሓወይ : ወይውን ወደይ ዝብል ኣስማት እንክሰምዕ ኣብ ኣባሃህላን ኣስማሞያን ህዝብና ምስገደድነት ወይውን ግዳይነት ዘይኮና እንዕዘብ ፡ ከምቲ ብልማድ አዘራርባ ህዝብና ዝውቱር ዝኾነ ግደ ፡ ግደይ ማለት ነጻነተይ ፡ መሰለይ ፡ ተራይ ፡ ልዕልና ባዓልታዊነተይ እዮ ዘመላኽት፡፡ ንሎሚ ግደና ንፍለጥ : ግደና ንላቦስ እንዳበልና ንፍለየኩም፡፡ ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
May 8, 2021
43 - መሰል | RIGHT |
ትሕዝቶ "መሰል" ዝብል ጽሑፍ ኣብ ቀረባ መዓልቲ ከነቕርቦ ኢና።  ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
May 1, 2021
Load more